ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝጸንሓ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ 31 ታሕሳስ ንደሓር ተልእኾኡ ከቛርጽ’ዩ

Radio Erena: 31 December 2020

ካብ 2007 ኣትሒዙ፣ ን13 ዓመታት ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር፣ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሎሚ 31 ታሕሳስ 2020፣ ተልእኾኡ ከቛርጽ’ዩ።

እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ካብ 1 ጥሪ ኣትሒዙ ድማ፣ ዓቕሚ ሰቡን ንብረቱን ናይ ምውጻእ መስርሕ ክጅምር’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዳርፉር ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ተልእኾኡ ከቋርጽ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዳርፉርን ዝጀመርዎ መስርሕ ሰላም፣ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ስለዝበጽሐ ምዃኑ’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝገልጹ።

ይኹን’ምበር፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ከም መተካእታ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ንዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ደሞክራስያዊ ምስግጋርን ዝከታተል፣ ፖለቲካዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራት፣ ብሓድሽ ዕማም ከዋፍር’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0