ንሓድሽ ዓመተ 2021፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም፣ ኣብ በቤቱ ተዓጽዩ ክቕበላ’ዩ

Radio Erena: 31 December 2020

ድሮ ሓድሽ ዓመት፣ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም፣ ብሆይሆይታን ፈንጠዝያን እትሓለፍ ፍልይቲ ዕለት ካብ እትኸውን ዘመናት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ዋላ’ውን እቶም ዝተፈለየ ዓውደ ኣዋርሕ ዘለዎም ህዝብታታት፣ ቁጠባዊ ዕብለላ ሃገራት ምዕራብን ዓውለማን ብዝፈጠሮ ጽልዋታት፣ ነዛ ብኣቖጻጽራ ግሪጎርያን፣ ብልምዲ ድማ ዓውደ ኣዋርሕ ኤውሮጳ እንተባህለት እትግለጽ ሓዳስ ዓመት’ዮም ብዝያዳ ክጽንብሉ ዝርኣዩ።

ዓመተ 2020 ግና ፍሉይ ክስተት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ስለዘጋጠማ፣ ከም ዝሓለፋ ዓመታት፣ ብሆይሆይታ ክትዛዘም ኣይኮነትን።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ፣ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ ሰዓታት እቶ እቶ ወይ ድማ ምሉእ ምዕጻው ኣዊጀን ስለዘለዋ፣ ህዝብታት፣ ኣብ በቤቶም ኮይኖም ንዓመተ 2021 ክቕበሉዋ’ዮም።

ህዝቢ፣ ብምኽንያት ድሮ ሓድሽ ዓመት፣ መምርሒታት ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከይጥሕስ ለበዋታት ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ዕለት ድማ፣ ብፍላይ መንእሰያት፣ ንሰዓታት እቶ እቶን ምዕጻውን ከይጥሕሱ፣ ፈረንሳ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ብብዝሒ ፖሊስ ኣዋፊረን ይርከባ።

ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 6 ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ ኣብ ዘላ ፈረንሳ፣ ዓመታዊ፣ ድሮ ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ፣ ዝእከብ ዝነበረ ህዝቢ፣ ሎሚ ዓመት፣ ኣይክህሉን’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እዚ ኣብ ሓያል ሃገራት ተመሳሳሊ ዝኾነ ክስተት፣ ስደራቤታት ሓቢሮም ኣብ ገገዝኦም ንሓዳሽ ዓመት ክቕበሉዋ ኣጋጣሚ ዝፈጠረ፣ “ዘይተሓስበ ምርቓ’ዩ” ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0