ኣብ ሰንዓ ብዘይዝኾነ መጽለሊ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ጎደና ተደርንዮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዛጊት ዝኾነ ግብራዊ ሓገዝ ኣይረኸብናን ይብሉ

ኣብ ሰንዓ ብዘይዝኾነ መጽለሊ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ጎደና ተደርንዮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዛጊት ዝኾነ ግብራዊ ሓገዝ ኣይረኸብናን ይብሉ

Radio Erena: May 26, 2014

eri in yemen 26

ብዘይዝኾነ መጽለሊ ኣብ የመን ኣብ ጎደናታት ሰንዓ ኣብ ግዳም ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት 200 ኤርትራውያን፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ግብራዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም።

እቶም ካብ ዝነበርሉ ግዝያዊ መንበሪ ድሕሪ ምውጽኦም ካብ 29 ሚያዝያ ኣትሒዞም፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ጎደና ጣይዝ ዝብዘይዝኾነ መጽለሊ ዝነብሩ ዘለዉ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፣ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራትን ሃገራት (UNHCR)ን ናብ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ዘቕረብዎ ጥርዓን’ውን ዝኾነ ግብራዊ መልሲ ከምዘይተረኽቦ የመልክቱ።

እቶም ኤርትራውያን ናብ የመን ድሕሪ ምእታዎም UNHCR ንሰለስተ ወርሒ ግዝያዊ መጽለሊ ኣዳልዩሎም እኳ እንተነበረ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ግና ብዘይዝኾነ ቅድመ ሓበሬታ ናብ ጎደናታት ከምዝደርበዮም ይወቕሱ።

 

ካብ 2011 ንደሃር ኤርትራውያን ብብዝሒ ናብ የመን ክውሕዙ ኣብ ዝተራእየሉ፣ መንግስቲ የመን ኣብታ ናብ ኤርትራ ዝቐረበ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ከምዝቕይዶምን፣ ጉዳዮም ብUNHCR ድሕሪ ምጽራዩ ድማ ተለቒቖም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሳብ ዝጣየሱ ግዝያዊ መጽለሊ ከምዘዳልወሎም ዝፍለጥ።

ይኹን’ምበር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሑዚ፣ ነቶም ኤርትራውያን ናይ የመን ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ስለዘለኩም ብምባል ብዘይዝኾነ ቅድም ሓበሬታ፣ ካብቲ ብግዝያውነት ተዓቝቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ከምዝወጹ ጌርዎም ይርከብ።

እቶም ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝኸውን ካብ ውልቀሰባትን ግዱሳት ገበርቲ ሰናይን ብዝረኸብዎ መግብን ማይን እናተመገቡ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ኣብ ጎደና ጣይዝ ኣብ ግዳም ይሓድሩ ኣለዉ።

ጉዳዮም ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ድማ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝምልከቶም ትካላት ስደተኛታት ድምጾም ከስምዑ ይምሕጸኑ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0