‘መዓልታዊ ብገምጋም 70 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ’ ኣፈኛ UNHCR

‘መዓልታዊ ብገምጋም 70 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ’ ኣፈኛ UNHCR

Radio Erena: May 27, 2014

refugee cam

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም 70 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ከምዘለዉ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ብዝሒ 93 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣፈኛ፣ ኤርትራውያን ከም ካልኦት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ዕድል ስለዘይብሎም ከም ናይ ትምህርቲ ዕድልን ምጥያስን ዝኣመሰለ ካልእ ኣማራጺታት ክወሃቦም ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ።

 

እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ብምምሕዳር እቲ መዓስከራት ከምዘማርሩን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ብምድንጓዩን ካልእ ኣማራጺታት ንምንዳይ እንደገና ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብብዝሒ ይሰግሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ዝዕቖቡለን ብውሕዱ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣለዋ።

ናብ ሱዳን’ውን መዓልታዊ ብገምጋም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ኤርትራውያን ይኣቱ ከምዘለዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረጋገጾ ኮይኑ፣ መብዛሕቶም ድማ ብመንገዲ ሊብያ፣ ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ዝሕልኑ’ዮም።

ብብዝሒ ስደተኛታት ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግእታ ዶባት ምዕጻው ዘይኮነ ኣብ መበቖል ዓድታት ናይተን ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ለውጢ ምምጻእ’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐን ይርከባ።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0