ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተላዕለ ባእሲ ብምትእትታው ፖሊስ እታ ሃገር ሃዲኡ

ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተላዕለ ባእሲ ብምትእትታው ፖሊስ እታ ሃገር ሃዲኡ

Radio Erena: 23 July, 2014

Er Sau

ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ ሓደ ኤርትራውን ቆንስል ናይቲ ኤምባሲን ዝተኻየደ ባእሲ፣ ብምትእትታው ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ከምዝሃድአ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ጠንቒ እቲ ባእሲ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ ሱልጣን ስዒድ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ሒዙ ኣብታ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ፣ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ቪዛ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፣ ምስ ቆንስል ናይቲ ኤምባሲ ወይኒ ገርዝግሄር ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ’ዩ ናብ ባእሲ ዓሪጉ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርያድ ዝተኻየደ ባእሲ ብምትእትታው ፖሊስ ክሃድእ እንከሎ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ኤርትራዊ ሱልጣን ስዒድ ድማ ኣብ መደበር ፖሊስ መዓዘር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ኢትዮጵያን ሶማልን ፓስፖርት ሒዞም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኣሰራርሓ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብቀጻሊ’ዮም ዘማርሩ።

=======================================

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0