ኣብ ሞቓድሾ ብዝተኻየደ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 7 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 November 2020

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዝተኻየደ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ብዕለት 27 ሕዳር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ግዚያዊ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ክሪስቶፈር ሚለር ኣብ ሶማል ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት ሒደት ሰዓታት ምስ ሓለፈ’ዩ ተፈጺሙ።
ሚለር ኣብ ሶማል ዘይወዓዊ ዑደት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ጂቡቲ መዓስከር ለሞኔ ናብ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ንምብጻሕ እዩ ተጓዒዙ። እቲ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ናብቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ዘነጻጸረ ምንባሩ ዝገልጽ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።
እንተኾነ በቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ሓያሎ ከኣ ብከቢድን ፎኲስን ቆሲሎም ኣለዉ።
ፖሊስ ሞቓድሾ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብቶም ዝተቐትሉ ሶማላውያን፣ ኣባል ኤምባሲ’ታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ምንባሩ ጠቒሱ።
ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0