ፕረዚደንት ግብጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ታሪኻዊ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 29 November 2020

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ደቡብ ሱዳን ክበጽሕ፣ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናይ መጀመርያ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ28 ሕዳር፣ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምዕባለታት ናይቲ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይክኣለ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ዘትዮም።

ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ ዘተ ድማ፣ ኣብ ጸጥታን ካልእን ዘተኮረ ስምምዓት ኣካይዶም።

ግብጺ፣ ደቡብ ሱዳን እተደልዮ ሓገዝ ንምብርካት ዓቕማ ዝፈቕዶ ድልውቲ ምህላዋ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ናብታ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ደቡብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማትሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።

ታሪኻዊ ምብጻሕ እቲ ፕረዚደንት ናብዛ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ሃገር ድማ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ግብጺ ዝተፈላለየ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት እንተተሸሚማ፣ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ናይ ምዝዛም ተኽእሎታቱ ክጎናደን ከምዝኽእል ‘ውን ሓደ ካብቲ ዝቐረብ ዘሎ ትንታነታት’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    I don’t believe Egypt