ምብራቕ ሱዳን፣ ሕማም ውጽኣት ሰባት ይቐትል

Radio Erena: 24 January 2017

Eas

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ፣ ብሕማም ውጽኣት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝህብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ካብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ሓድሽ ዓመት ኣትሒዙ ብውሕዱ 97 ሰባት ውጽኣት ብዘስዕብ ሕማም ከምዝተለኽፉ ክገልጻ እንከላዋ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ከኣ ንጸብጻብ ትካላት ጥዕና እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣመልኪተን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ዚ ሕማም ሸሮኽ ክኸውን ከምዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ ምልባዕ ውጽኣት ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ ዓመተ 2016ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ተመሳሳሊ ክስተት ተራእዩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ሕማም ከይላባዕ፣ ኣብ ዶባት ጽኑዕ ቁጽጽር ይካየድ ምንባሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣረጋጊጹ’ዩ።

ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ዝጠቐሰ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ግና ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ምንባሩ’ዩ ዘረጋግጽ።

ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት ድሒሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ግና ኣብ ኤርትራ’ውን ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

እዚ ውጽኣት ዘስዕብ ሕማም፣ ብጽሬት ኣከባቢ፣ መግብን ኣካላትን ዘይምሕላው ዝስዕብ ኮይኑ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ’ዩ ዝመሓላለፍ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0