ኣብ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘተኮረ ርክብ ጅቡትን ቻይና ይቕጽል

Radio Erena: 27 November 2016

China Dji Mili

ቻይና ኣብ ጂቡቲ ዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝያዳ ከተስፍሖ ምዃና ገሊጻ።

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ቻይና ንሺን ሁዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እዚ ካብ ቻይና ወጻኢ ዝዓበየ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክኸውን ተመዲቡ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።

ቻይና ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝሃነጸቶ ወተሃደራዊ ዲፖ፣ ነቲ ቅርሰና ባሕሪን ሽበራን ክከላኸል ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዕጥቅን ስንቅን ምቕራብ ተሓጺሩ ድሕሪ ምጽናሕ እያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምሉእ ዕጥቂ ዘለዎ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጂቡቲ ክቐውም ኣብ ስምምዕ በጺሓ ዘላ።

ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ቻይና ፋን ቻንጊዮንግ ብሓሙስ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብዚ ውሳኔ’ዚ ክብጻሕ ከምዝተኻእለ ሓቢሩ።

ኣብ ጂቡቲ መዓስከራት ፈረንሳን፣ ኣመሪካን ክህሉ እንከሎ፣ ናይ ጃፓንን ቻይናን ዝርከብኦም ካልኦት ሃገራት ከኣ ግዚያዊ መዓስከራት ይርከቡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ኣመሪካን ፈረንሳን ዝተዋጽአ ጥሙር ሓይሊ ዕማም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየደ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0