ሱዳን፣ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲን መድሃኒትን ሰፊሕ ተቓውሞ ክካየድ ጻውዒት ይቐርብ

Radio Erena: 27 November 2016

Protest Sudan

ተቓወምቲ ሰልፍታት ሱዳን፣ ክሳብ ዕለት 29 ዝጸንሕ ህዝባዊ ኣብያ ክለዓል ጸዊዖም።

እቲ ካብ ሎሚ ሰምበት ክጅምር ዝተጸወዐ ህዝባዊ ኣብያ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ክገብሮ ዝጸንሐ ድጎማ ደው ድሕሪ ምባሉ ዝሰዓበ ናህሪ ዕዳጋ ብዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነዚ ኣብ ከተማ ካርቱም ክካየድ ተጸዊዑ ዘሎ ህዝባዊ ኣብያ፣ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ ዕጡቓት ምንቅስቓሳትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ሱዳን ደገፎም ገሊጾም ኣለዉ።

ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ እዚ ተጸዊዑ ዘሎ ህዝባዊ ኣብያ፣ ንሃብቲ ሃገር ኣጽኒቱ ንህዝቢ ሱዳን ናብ ፍጹም ድኽነት የእትዩዎ ዘሎ መንግስቲ ዝእለየሉ ናይ መጀመርያ ደረጃ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ሰንበት ብሰላማዊ ሰልፊ ዝፍልም ህዝባዊ ኣብያ ክሳብ ንኩሉ መሓውራት ቁጠባ መንግስቲ ዘልምስ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ድሉው ከምዘሎ ከመስክር ይግባእ ኢሎም።

ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን፣ እቲ ንቁጠባ ብዝምልከት ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ ህዝቢ ስለዝደገፎ፣ እዚ ተጸዊዑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይክዕወትን’ዩ ይብሉ።

እንተኾነ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽዑቕ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ መፈለምታ ናይዚ ወርሒ’ዚ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፣ መድሃኒት ካብ ወጻኢ ንምዕዳግ ኢሉ ዘውጽኦ ዶላር ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጹ፣ ዋጋ ዶላር ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፣ ዋጋ መድሃኒት ከኣ ብ300 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት የመልክቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0