ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ብኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተኻየደ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 11 ኤርትራውያን፣ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

Radio Erena: December 31, 2013

 

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ብኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ማይ ጸብሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ፣ ዘይሕጋዊ ኣኼባን ሰልፍን ብምውዳብን ብሰንኩ ድማ ክሳብ 115 ሽሕ ዝግመት ንብረት ብምዕናውን ዝብል’ዩ።

እዞም ተኸሲሶም ዘለዉ 11 ኤርትራውያን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐርብሉ ድማ ኣንጻሮም ሽዱሽተ መሰኻክር ተዳልዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማይ ጸብሪ ክሳብ እዚ አዋን’ዚ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን እዞም ዝስዕቡ’ዩ።

 

1- ኤፍሬም ይሕደጎ ወልደገብሪኤል
2- ዳኒኤል ሚኪኤል ተስፋይ
3- የዕብዮ ትንሱእ ሓደራ
4- ምሕረትኣብ በርሀ ገብረዝጊሄር
5- ርትዒ ዘርእሰናይ ተኪኤ
6- ኣማኑኤል ሓድገምበስተስፋሚካኤል
7- ሙሴ እሰይ ሰንጋል
8- የማነ ገብረሚካኤል በርሀ
9- መም. ተስፋሚካኤል ገብረማርያም መብራህቱ
10- መም. ሽናሽ በየነ ኣባይ
11- ሃብቶም ተስፋማርያምን ተኽለማርያም’ዮም።

ኣስማት ናይቶም ሽዱሽተ መሰኻክር’ውን በጺሑ እና እኳ እንተሎ፣ ኣብዚ ኣይክቃላሕን’ዩ።

ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ንዘሎ ኣሰራርሓም ምሕደራን ብምቕዋም፣ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱን ሚሊሻን ፖሊስን ብነቲ ሰልፊ ንምብታን ኣብ ዝኸፈትዎ ቶዅሲ ድማ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለን ሃያሎ ከምዝቖሰሉን ኣይርሳዕን።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0