ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 700 ስደተኛታት ጥሒሎም

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 700 ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena: 20 April 2015

Ita700

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ብዝተዓጻጸፈ ንሂርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብቅድሚ ትማሊ ሓንቲ ጃልባ ብምትሓላ ኣማኢት ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ።

ሓያሎ ካብዞም ጥሒሎም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ምንጭታት ዜና ይእንፍቱ።

ካብ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ኣትሒዙ ናብ ኢጣልያ ናይ ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት ልዕሊ 10 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሰን ናይ ዝጠሓላ ጀላቡ ከኣ ሰለስተ በጺሑ ኣሎ።

 

ብዋሕዚ ስደተኛታት ተጨኒቓ ዘላ ኢጣልያ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ሕግብረት ኤውሮጳ ሕጹጽ ኣኼባ ከካይድ ትጠልብ ኣላ።

=======================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0