ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ 10 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ 10 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: 17 June, 2014

bod

ናይ 10 ሰባት ሬሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ከንሳፍፍ ከምዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ብባሕረኛታት ኢጣልያ ዝተረኽበ ሬሳ፣ ብዓርብን ቀዳምን ስደተኛታት ጽዒናን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት ዝጠሓሉ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ ኣሎ።

90 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ሊብያ ተብጊሳ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ፣ እቶም 39 ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ክድሕኑ እንከለዉ፣ ሃለዋት ናይቶም ዝተረፉ ግና ከምዘይተፈልጠ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ብቀዳም 14 ሰነ ሓቢሩ’ዩ።

 

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣዝዩ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ተደጋጋሚ እዋን ናይ ምጥሓል ሓደጋ የጋጥም እኳ እንተሎ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ብዘካይዶ ዘሎ ስርሒት ህይወት ኣሽሓት ሰባት ክድሕን ክኢሉ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኢጣልያ፣ እቲ ኣብ ባሕሪ ህወይት ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ከቢድ ወጻኢታት ይሓታ ብምህላዉ ህጹጽ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ እንተዘይረኺባ ከተቛርጾ ከምእትኽእል’ያ ትጠቕስ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0