ኣብ ኬንያ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 48 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ኬንያ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 48 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 17 June, 2014

ken

ኣብ ኬንያ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብውሕዱ 48 ሰባት ተቐቲሎም።

ብረት ዝዓጠቑ ሓያሎ ሰባት፣ ፔኬቶኒ ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ሃንደበታዊ ቶኽሲ ብምኽፋት ኣብ ጎደና ንዝረኸብዎ ሰብ ክቐትሉ ከምዝጀመሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም።

ናይቲ ብሰንበት ኣብ ጥቓ ወደባቲት ከተማ ላሙ ኣብ እትርከብ ቁሸት ፔኬቶኒ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ብወግዒ ሓለፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

 

ኬንያ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ወጥሪ’ያ ትርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ፣ ኣብ መንጎ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ።

53 ስደተኛታት ሒዞም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ብረት ዝዓጠቑ ዘይሕጋውያን ኣሰገርቲ ሰባት፣ ብኽፍሊት ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም፣ ኣብ መንግኦም ብዝተኸፍተ ቶኽሲ’ዩ እቶም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

ክልተ ካብቶም ዝተቐትሉ ስደተኛታት ክኮኑ እንከለዉ እቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ካብቶም ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ’ዩ።

ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት’ውን ፈኵስን ከቢድን መቑሰልቲ ከምዝወረዶም ኣገልግሎት ዜና ቻይና- ሽንሁዋ ንፖሊስ ኬንያ ብምጥቓስ ኣመልኪቱ።

ኬንያ ነቶም ሞያለ ብዝተባህለ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ዞባ ከባቢ ሓሊፎም ኣብ ዞባ ዋጂር ዝሓዘቶም መብዛሕቶም ኢትዮጵያውን ዝኾኑ ስደተኛታት ክሳብ ክልተ ዓመት ክትእስሮም ምዃና’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

እንተኾነ ንሓያሎ ካብኣቶም ድሮ ናብ ኢትዮጵያ መሊሳቶም ኣላ።

ኬንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ሶማላውያን እናገፈፈት ናብ ዓዶም ትሰጉግ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0