ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሱድን ይውሕዙ ኣለዉ

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሱድን ይውሕዙ ኣለዉ

Radio Erena: April 4, 2014

eri in Ethio

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ተስፋ ብምቑራጽ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ከምዘለው ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ማይ ዓይኒ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት ብምድንጓዩ ከምኡ ድማ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘሎ ዘይቕርዑይ ምሕደራ፣ ኣብቲ መዓስከራት ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኣምኢት ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ይውሕዙ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ሱዳን ምስጋር’ውን ውሕስነት ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕትኦም እቶም ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ተስፋ ስለዘቑረጾም፣ ብመንገዲ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ንነዊሕ ጉዕዞ ብምሕላን’ዮም።

 

መዓስከራት ኢትዮጵያ፣ ካብ ናይ ሱዳን ብተዛማዲ ዝሓሸ ጸጥታን ውሕስነትን ዘለዎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ መዓስከር ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ግንንንና ብምምሕዳር እቲ መዓስከር ብቐጻሊ ከማርሩ ጸኒሖም’ዮም።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝተኻየደ ተቃውሞታት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብእኩብ ናብ ሱድን ከምዝሰገሩ ኣይርሳዕን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ናይ ዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ንክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩ ዝተፈርዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምሕረት ተጌርሎም ከምዝተፋነዉ፣ ይግለጽ ኣሎ። ሬድዮ ኤረና ገና ነቲ ሓበሬታ ኣብ ምጽራዩ’ያ ትርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0