ኣብ ሊብያ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ምስ ዝነበረት መርከብ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናጻ ተለቒቖም

ኣብ ሊብያ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ምስ ዝነበረት መርከብ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናጻ ተለቒቖም

Radio Erena: April 7, 2014

Morning Glory

ኣብ ሊብያ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ምስ ዝነበረት መርከብ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 21 ሰራሕተኛታታ ናጻ ክወጽኡ ብኡ ንብኡ ድማ ነናብ ዓዶም ክጥረዙን ቤት ፍርዲ ሊብያ ወሲኑ።

እቶም ቁጽሮም ብልዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት እታ እታ Morning Glory ዝተባህለት ዓባይ መርከብ፣ ካብ ወደባቲት ከተማ ዲድራ ናይ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኣብ እትመርሓሉ ዝነበረት እዋን ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ብፍሉያት ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለት ብሬድዮ ኤረና ምቕልሑ ኣይርሳዕን።

 

እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 21 ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ብጽኑዕ ተቐይዶም ከምዝጸንሑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ካብ ትማሊ 6 ለካቲት ኣትሒዙ ግና ቤት ፍርዲ ሊብያ ብናጻ ኣፋንይዎም ኣሎ።

ኣብታ መርከብ ብዘይካ’ቶም ዜጋታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ህንዲ፣ ፓኪስታንን ስሪላንካን ዝርከብዎም 21 ሰራሕተኛታት፣ እብ ምሽእት እቲ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ዝነጥፉ ሰለስተ ኣባላት ተቓወምቲ ልብያ’ውን ከምዝነበሩ እኳ እንተተገልጸ፣ ብዛዕባ ኩነታቶም ግና ኣይተሓበረን።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0