ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን መብዛሕቶም ናብ ሱዳን ብምስጋር ጉዕዝኦም ናብ ኤውሮጳ ከምዝቕጽሉ ተሓቢሩ

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን መብዛሕቶም ናብ ሱዳን ብምስጋር ጉዕዝኦም ናብ ኤውሮጳ ከምዝቕጽሉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 November 2014

Mai ayni

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ሕጻጽን ተዓቝቦም ካብ ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መብዛሕቶም ናብ ሱዳን ከምዝሰገሩ ተሓቢሩ።

ሬድዮ ኤረና ምስ ሓያሎ ካብቶም ኣቐዲሞም ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ሓዲ ሓሩሽን ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየደቶ ዝርርብ፣ ኣብቲ መዓስከራት ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ተስፋ ስለዘይብሉ ባዕላቶም ብመንገዲ ሱዳን -ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ከምዝወሰኑ ኣረዲኦም።

 

ጥዕሙዝጊ ተወልደ ዝተባህለ ኣብ ማይ ዓይኒ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ኤርትራዊ፣ ናብራ ናይቲ መዓስከር ኣብ ርእሲ ምኽባዱ ዝኾነ ተስፋ’ውን ስለዘየሎ፣ ኣብ መወዳእትኡ፣ ናብ ሱዳን ብምስጋር ሃገራት ኣቛሪጹ ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተወ ገሊጹ።

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምዝጋር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካሌ ዝርከብ መንእሰይ ሃብቶም’ውን ብወገኑ፣ ኣብ ዓዲ ሓርሽ ንሸሞንተ ወርሒ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድላት ስለዘየለ ኣስታት 150 ዝኾኑ መንእሰያት ብእኩን ናብ ሱዳን ብምስጋር በብዝጥዕሞም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ከምዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት በብጉጅለታት እናተወደቡ ናብ ሱዳን ከምዝሰግሩ ብምጥቃስ ከኣ፣ ኣብቲ መዓስከራት ዝርከቡ ደላሎን ኣሰጋገርትን ናብ ሱዳን ንኸብጽሕዎም ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክሳብ 500 ዶላር ዝሓትሉ ግዜ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን መሊኡ’ዩ ብዝብል ምኽንያት ሓድሽ መዓስከር ሕጻጽ እኳ እንተኸፈተ፣ ኣብቲ መዓስከራት ፈለማ ዝተመዝገበ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሕጂ ዘሎ ቁጽርን ከምዘይመጣጠን’ውን ኣገንዚቦም።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0