ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 100 በጺሑ

Radio Erena: 30 January 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራን ሰሜን ሸዋን ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ብዝተኻየደ ግጭት ኣስታት 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ መረበባት ዜና ሓቢረን።

ካብ 21 ጥሪ ኣትሒዙ፣ ጀዋሃ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝፈለመ ግጭት፣ ብውሕዱ 20 ዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብወገኑ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ይኹን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ጉድኣት ኣየነጸሩን።

እቲ ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ናብ ከተማ ኣጣየን ካልኦትን ድሕሪ ምልሓሙ፣ ኣሽሓት ሰባት ናብ ከተማ ሸዋ ሮቢት ከምዝሃደሙ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣገንዚቦም።

ኣብ ሸዋ ሮቢት ዝርከብ ሆስፒታል፣ ኣብቲ ግጭት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ሓያሎ ሰባት ይቕበል ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፣ ብ25 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ፈደራል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ይሰርሑ ምህላዎም ኣመልኪቱ ኔሩ።

እቲ ግጭት ኣብዚ እዋን’ዚ ብተዛማዲ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ዓድታት ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ መርበባት ዜና ንነበርቲ ብምውካስ ኣተሓሳሲበን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0