ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ንኽትሽምግል፣ ኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ንኽትሽምግል፣ ኢትዮጵያ ሓቲታ

Radio Erena: 05 August 2018

issAbyGueleመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ጉዳይ ዶብ ንምሽምጋል ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዶባት ቀይሕ ባሕሪ ሰላም ክሰፍን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ መንግስቱ ክሽምግል ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣህጉራዊ ሕግታት ከኽብር ተበግሶ ከይወሰደ፣ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኤርትራ ምጅማራ፣ ጂቡቲ ከም ክሕደት ከምእትርእዮ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ ይገልጹ።

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ኢትዮጵያ ድሕሪ ምሕታታ ሰበስልጣን ጂቡቲ ክህብዎ ኣብ ዝጸንሑ ምላሽ፣ እቲ ማዕቀብ ምስ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽብ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ሕግታት ክሳብ ዘይተማእዘዘ እቲ ማዕቀብ ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ’ዮም ዝጠልቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ምምላስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ንምጉዳእ ዝዓለመ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ ክልቲኤን ሃገራት ግርጭታተን ፈቲሐን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምርግጋጽ ተረአን ከዕዝዛ ጸዊዑ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0