ኣብ ዚምባብወ ብዝተላዕለ ናዕቢ፣ ብዉሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዚምባብወ ብዝተላዕለ ናዕቢ፣ ብዉሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 05 August 2018

 zimb pr.ኣብ ዚምባብወ፣ ንሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር ስዒቡ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ፣ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ደገፍቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ምጥፍፋእ ኔሩዎ ብምባል ተቓውሞ ኣብ ዘስምዑሉ ዝነበሩ እዋን፣ ኣባላት ፖሊስ ሓይልን ጎነጽን ብምጥቃሞም፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት’ውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እንተኾነ እቶም ዝቖሰሉ ናብ ሆስፒታላት ከይዶም ክእለዩ’ውን ፍርሒ ስለዘለዎም ቁጽሮም ክንደይ ምዃኑ ከምዘሸግር፣ ተጣበቕቲ መሰላት’ታ ሃገር ይገልጹ።

ኤመርሰን መንጋጓ 50.8 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ብጸቢብ ምዕዋቱ ምስተገልጸ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ሓሳብ ክህልዎ ኣይክእልን፣ እንተኾነ ብሓባር ሃገርና ክንሃንጽ ይግባእ ክብል እቲ ናይ ተቓውሞ ናዕብታት ደው ክብል ጸዊዑ።

ከተማ ሃራረ ካብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ተዛማዲ ርግኣት እኳ እንተላ፣ ኣባላት ፖሊስ፣ ዝርዝር ኣስማት ብምሓዝ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ዜጋታት ምቕያድ ይቕጽሉ ኣለዉ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይኸሱ።

ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምእታው፣ 18 ኣባላት ተቓወምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እቶም ተቐዪዶም ዘለዉ ተቓወምቲ፣ ናዕብን ምልዕዓልን ወዲብኩም ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ከምዘሎ’ውን ይግለጽ።

ኤመርሰን መንጋጓ ምስሊ ዛኑ ፒ.ኤፍ. ንምምሕያሽን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ንምስሓብን ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ዝንገረሉ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ን37 ዓመታት ብሮበርት ሙጋበ ክምራሕ ዝጸንሐ ሰልፊ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ሓሳባት ተኸፋፊሉ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። ሓያሎ ኣባላት ዛኑፒኤፍ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ጸቓጢ ኣሰራርሓ መንግስቲ ክምለስ’ዮም ዝደልዩ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0