ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዝጸንሐ ንግዳዊ ልውውጥ ካብ 14 ሚልዮን ዶላር ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 July 2021

ቅድሚ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2019፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዝተኻየደ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣስታት 14 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑ፣ ቤት ጽሕፈት ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ዝሸመተቶ ከም ማሸላን ስርናይን ዝኣመሰለ ኣእካል 11 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፣ 2 ሚልዮን ዝግመት ማሽነሪታት፣ ዝተረፈ ድማ ዝተፈላለየ ኬሚካላትን ካልእን ዘጠቓለለ’ዩ።

ሰደድ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 2018 ክነጻጸር እንከሎ፣ ብ6 ሚልዮን ወይ ድማ ብ74%’ዩ ዛይዱ።

ብኣንጻር እዚ ኣብ 2019 ካብ ኤርትራ ተሸሚቱ ናብ ኣመሪካ ናይ ዝተላእከ ዕዳጋታት፣ 143 ሽሕ ዶላር ጥራይ ክሽፍን እንከሎ፣ መብዛሕቱ ቢራ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ ይርከብ።

ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ናይ እትልኮ ነገራት፣ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመተ 2018 ብ43% ቀኒሱ።

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ደረጃ ንግዲ ገዚፍ ጋግ ዘለዎ ምስ ምዃኑ፣ ኣመሪካ ብዓይኒ ሰደድ ካብ እትጥምተን 235 ሃገራት ንኤርትራ ኣብ መበል 204 ክትሰርዓ እንከላ፣ ብእታው ድማ ኣብ መበል 228 ኣቐሚጣታ።

2.1 ቢልዮን ዶላር ዝግምገም ጃምላዊ እቶት ወይ GDP ዘለዋ ኤርትራ፣ ዝበዝሐ ንግዳዊ ልውውጣ ምስ ቻይና፣ ህንዲ፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ሃገራትን ምዃኑ ንግዳዊ ጸብጻባት ይጠቕስ።
=================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0