ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ናይ 244 ሚልዮን ዶላር ንግዳዊ ልውውጥ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ናይ 244 ሚልዮን ዶላር ንግዳዊ ልውውጥ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 18 November 2015

In Er

ኣብ ዓመተ 2014ን 2015ን ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ናይ 244.73 ሚልዮን ዶላር ንግዳዊ ልውውጥ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ህንዲ ኣብ እዋን’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ 26 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ዋዕላ፣ ዝርዝር ናይቲ ምስተን ሃገራት ተካይዶ መጠን ንግዲ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን’ዩ።

ህንዲ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 10ታት ቢልዮናት ዶላትር ንግዳዊ ልውውጥ ከተካይድ እንከላ፣ ኤርትራ ካብተን ዝወሓደ ንግዲ እተካይደለን ሃገራት ምዃና እቲ ጸብጻብ የገንዘብ።

 

ህንዲ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እተካይዶ ንግድ ጥራይ ከም ኣብነት እንተወሲድና፣ ምስ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር፣ ምስ ሱዳን ኣስታት 1. 4 ቢልዮን ዶላር (882 ሚልዮን ዶላር ናብ ሱዳን ሰደድ፣ 569 ካብ ሱዳን እታው)፣ ምስ ጅቡቲ ልዕሊ 311 ሚልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ህንዲ እታ ዝበዝሐ ንግዲ እተካይደላ ሃገር ናይ ሰድድን እታውን ድምር ብኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ደቡብ ኣፍሪቃ ‘ያ።

ኣብ መንጎ ህንድን ኤርትራ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ እቲ ዝበዝሀ ክፋሉ፣ ኤርትራ ካብ ህንዲ እትሽምቶ ከም ብርስን፣ በርበረን ኣጭርቕትን ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣስታት 1500 ህንዳውያን መማህራን ከኣ ከም ወፍሪ ኣብ ዓቕሚ ሰብ’ዩ ዝጥመት።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0