ስዑዲ ዓረብ 1.29 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ተተኮስቲ ካብ ኣመሪካ ንምሽማት ትሰማማዕ

ስዑዲ ዓረብ 1.29 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ተተኮስቲ ካብ ኣመሪካ ንምሽማት ትሰማማዕ

Radio Erena: 19 November 2015

Bombs

ስዑዲ ዓረብ 1.29 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ተተኮስቲ ካብ ኣመሪካ ክትሽምት’ያ።

እታ ሃገር፣ እዚ ካብ ኣመሪካ እትሽምቶ ዘላ ቦምባታት መተካእታ ናይቲ ኣብ የመን ዘካየደቶ ናይ ኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ጽዑቕ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት’ዩ።

መብዛሕቱ’ቲ ስዑዲ እትሽምቶ ቦምባታት፣ ናይ ነፈርቲ ምዃኑ’ውን ወትሃደራዊ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣመሪካ ኣቐዲማ’ውን 11 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን 4 መራኽብ ኵናት ንስዑዲ ዓረብ ክትሸጠላ ከምዝተሰማምዐት ኣይርሳዕን።

 

ብዘይካ’ዚ ካብ ኣመሪኣክ ዝካየድ ዘሎ ሸመተ ኣጽዋር፣ ስዑዲ ካብ ፈረንሳ’ውን ናይ ቢልዮናት ዶላራት ኣጽዋር ንምሽማት ስምምዕ ኣብ ምክይዳ ትርከብ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብብዝሒ እትሽምቶ ኣጽዋር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0