ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ካርቱም ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 18 April 2017

Egypt FM

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ዝመርሖ ልኡኽ ናብ ካርቱም ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ሹክሪ ብዛዕባ’ቲ ተወጢኑ ዘሎ ዑደት ኣመልኪቱ ንኣልምስር ኣልዮም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ዘካይዶ ርክብ ንረብሓ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ነጥብታት ፖለቲካዊ ዘተ ብምክያድ ዘለዎም ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንሱ ብቀዳም 15 ሚያዝያ ናብ ካርቱም ንምብጻሕ መደብ እኳ እንተነበሮ፣ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር በረርኡ ከምዝተሰረዘ’ዩ ጠቒሱ።

“ሱዳን ኣካል ጸጥታ ግብጺ’ያ” ዝበለ ሚኒስተር ሹክሪ፣ ምስታ ሃገር ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝመስረተ ዝምድና ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ሱዳን ሓደሽቲ ስጉምታት ወሲዱ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ እዚ ከኣ ሱዳን ከም ሉኣላዊት ሃገር መሰላ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ኢትዮጵ ናይ ሰለተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ሓደጋ ሃገራዊ ድሕነት ንሱዳን’ውን ስግኣት ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ናብ ሱዳን ዝበጽሑ ዜጋታት ግብጺ ኣቐዲሞም መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ ኣላ።

ብዛዕባ’ዚን ካልእን ጉዳያት ንምዝርራብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሱዳን ከምርሕ ምዃኑ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ሳምሕ ሹክሪ፣ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም መርገጺ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፣- “ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት የለናን፣ ረብሓና እናሓለና ጥቡቕ ዝምድና ክንምስርት ንኽእል ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ዝኾነ ሃገር ዝቐንዐ ጽልኢ የብልናን። ረብሓና ንምሕላው ግና ንኽእል ኢና።” ክብል ኣስሚርሉ።

ሱዳን ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ምስ ግብጺ ክትሰማማዕ ከምዘይክኣለት’ዩ ዝግለጽ።

ግብጺ፣ እገዳ ሱዳን ንኸይልዓል ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣድሚጻ ክብል መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ክወቅስ ተሰሚዑ’ዩ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0