ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝተሳበበ ኲናት ብቕጽበት ደው ክብል፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ

Radio Erena: 30 June 2022

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ደው ብምባል፣ ጉዳዮም ብዘተ ክፈትሑ ጸዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምፍታሕ ይሕግዙ’ዮም ዝበሎም እማመታት ብምቕራብ፣ ናይ ሽምግልና ተራ ክጻወት ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

እንተኾነ ሱዳን፣ ነዚ ብሓድሽ ማዕበል ጀሚሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት፣ ብፍላይ ከኣ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተረሺኖም ኢላ እተቕርቦ ዘላ ናይ 7 ኣባላት ሰራዊት ጉዳይ፣ ብባይቶ ጸጥታ ክፍታሕ፣ ድሮ ክሲ ኣቕሪባ ኣላ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዘከራኽር ዘሎ ከባቢታት ዞባ ኣልፋሽጋ ብምብጻሕ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ሕነ ናይቶም ዝተቐትሉ ኣባላት ሰራዊቱ፣ ክፍደ’ዩ’ ክብል እንከሎ፣ ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብኣንጻሩ፣ እቲ ተኻዪዱ ዝበሃል ዘሎ ኲናት፣ ሓሶት ምዃኑን ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዘየካየደትን ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ መሬትና ንዝኣቱ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ክንከላኸል ግና ሕጋዊ መሰልና’ዩ ክብል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ቃል ሂቡ።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን መበገሲኡ ብዘየገድስ፣ መፍትሒኡ ናብ መኣዲ ዘተ ቀሪብካ ሰላማዊ ፍታሕ ምንዳይ ጥራይ እዩ፣ ብምባል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ሱዳን፣ ብጉዳይ ዞባ ኣልፋሽጋ ብዝምልከት ብ1902 ከምኡ’ውን ብ1975 ዓመተ ምህረት ዝተፈረመ ስምምዕ ምህላዉ ብምዝኽኻር፣ ምስ ኢትዮጵያ ሕጂ ዳግም ከምዘይትዛተይ እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0