መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝታይ ዝውክልዎ ሰባት መዚዙ

Radio Erena: 28 June 2022

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘተ ሰላም ንምክያድ፣ ወከልቱ መሪጹ።

እታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ብምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ደመቀ መኮነን ከም እትምራሕ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ መፈለምታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ እትዛተይ ኮሚቴ ንምምራጽ ሕርያ ይካየድ ከምዘሎ ምፍላጡ ይዝከር።

እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ፣ ንምምራጽ ኣባላት ናይታ ኮሚቴ ብዝምልከት ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተዋህበ ምላሽ የለን። እንተኾነ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት፣ ንዘተ ሰላም ቅሩባት ምዃኖም ብ15 ሰነ ገሊጾም እዮም።

ኣብቲ እዋን፣ ብፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ዝምእከል ዘተ ሰላም ንምስታፍ ናብ ናይሮቢ ከምርሑ ቅሩባት ምዃኖም እዮም ገሊጾም።

እቶም ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውክሉ ተመሪጾም ዘለዉ ኣባላት፣ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስተር ፍትሒ ጊደዎን ጢሞቴዎስ፣ ኣማኻሪ ጸጥታን ቴክኖሎጂን ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣምባሳደር ሪዱዋን ሑሴን፣ ሓላፊ ወተሃደራዊ ድሕነት ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፣ ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ጌታቸው ጀምበርን፣ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድርን እዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0