ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ ጸሮና ዝተኻየደ ኵናት ደው ከምዝበለ ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ ጸሮና ዝተኻየደ ኵናት ደው ከምዝበለ ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ

Radio Erena: 13 June 2016

Tsorona

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ጸሮና ወጋሕታ ሰንበት 12 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ከቢድ ዕንወት ወሪዱ ምህላዉ ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ሎሚ 13 ሰነ ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ቃለ መጠይቕ፣ ትማሊ ወጋሕታ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወ ብምግላጽ፣ ሓይልታት ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝመከቶ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ጸረ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት’ውን ኣረጋጊጹ።

 

ካብ ወገን ኤርትራ ብሰንኪ ዝትኮስ ዝነበረ ከቢድ ብረት፣ ካብ ገለ ከባቢታት ህዝቢ ከግዕዙ ከምዝተገደዱ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ እቲ እቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ጽዑቕ ብምንባሩ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ’ውን ኣረዲኡ።

እቲ ብኸቢድ ብረት ተሰንዩ ኣብ ከባቢ ጸሮና ዝተኻየደ ውግእ ኣብዚ እዋን’ዚ ደው ኢሉ ምህላዉ’ውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ውሻጣዊ ብድሆታት ንምህዳም’ዩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈንዩ።

እቲ ሚኒስተር ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ጸሮና ዝተኻየደ ግጭት ዝኾነ ዝፈልጦ ነገረ ከምዘየለ’ዩ ክሕብር ጸኒሑ።

መንግስቲ ኤርትራ በንጻሩ ትማሊ 12 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ብግንባር ጸሮና ዕላምኡ ዘይተነጸረ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወትን ምውቃሱ ይዝከር።

ክልቲኦም መንግስታት ብዛዕባ’ዚ ንሓያሎ ሰዓታት ዝቀጸለ ግጭት ይወቓወሱ እኳ እንተለዉ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0