ኣብ መንገዲ ጁባ-ኒሙለ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ነቲ ዑመር ናይ ንግዲ መስመር ከሰየሰናኽል ይስጋእ

Radio Erena: 16 September 2016

Juba Ni

ኣብቲ ንካምፓላን ጁባን ዘራኽብ ዑመር ናይ ንግዲ መስመር ኒሙለ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ካብ ናብን ንዝካየድ ዘሎ ናይ መጓዓዝያን ንግዳውን ልውውጥ ከይዕንቕፍ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብቲ መስመር ኒሙለ ጁባ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብ9 መስከረብ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ናይ ንግድን ናይ መጓዓዝያን መካይን ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፣ ትስዓት ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ክልተ ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ብምብርዐን’ውን እቲ ዑመር ናይ ንግዲ መስመር ንሓያሎ ሰዓታት ከምዝተዓጽወ ናይ ዓይኒ መሰክኻክ ንሬድዮ ታማዙ ሓቢሮም።

 

ኣብቲ መስመር ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕትን ምግጫው ክልተ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ኣይርሳዕን።

ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ኣንድሪው ፈሊክስ ክዋሲ፣ ነቲ ፍጻሜ ከረጋግጾ እኳ እንተኸኣለ፣ ስም ዝርዝር ግዳያት እቲ መጠቓዕቲ ይኹን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ግና ኣይሓበረን።

ንካምፓላን ጁባን ዘርኽበ ዑመር ናይ ንግዲ መስመር ኒሙለ-ጁባ፣ ኣብ ንግድን ካልእ ንጥፈታትን ዝተዋፈሩ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብብዝሒ ዝመላለስሉ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0