ቀጠር፣ ብ200 ድሩዓትን 30 ሄሊኮፕተራትን ዝተሰነየ ሓደ ሽሕ ሽሕ ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ

Radio Erena: 16 September 2016

Qatar Army

ቀጠር ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሰራዊት ሃገራት ወሽመጥ ዝስለፉ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ናብ የመን ልኢኻ።

እቲ ናብ የመን ዘዋፈረቶ ሓደ ስሕ ሰራዊት ብ200 ድሩዓት መካይንን 30 ኣፓቺ ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራትን ዝተሰነየ ምዃኑ’ውን ብንግስነት ቀጠር እትምወል ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ናብ የመን ትልእኽ ዘላ፣ ብ13 መስከረም ኣብ ዝተካየደ ኵናት ብውሕዱ ሰለስተ ካብ ሰራዊታ ኣብ የምን ድህሪ ምቕታሎም’ዩ።

ቀጠር፣ ተወስኺ ሰራዊት ንምውፋር’ውን መደብ ከምዘለዋ’ውን ኣልጀዚራ የተንብህ።

ቀጠር፣፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ናብ ካልእ ሃገር ሰራዊታ ክትልእኽ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ዘዋፈረቶ ውሑድ ምዃኑ ዝተነግረ፣ ቁጽሩ ግና ዘይተሓበረ ተዓዛቢ ሰራዊት፣ እዚ ናይ የመን ንኻልኣይ እዋና’ዩ።

ኣብ የመን ሰራዊተን ካብ ዘዋፈራ ሃገራት ወሽመጥ ስዑዲ ዓረብ ብቀዳምነት ክትስራኦ እንከላ፣ ብኻልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ከኣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀጠርን’የን።

ኣብ የመን፣ ሱዳን፣ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን’ውን ሰራዊተን ከምዘዋፈራ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ከም ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ፓኪስታን ካልኦትን ኣባላት ናይቲ ብስዑዲ ዝቖመ ልፍንቲ ሃገራት እስላም ከኣ ኣብ ስልጠና ሰራዊት፣ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታትን ካልእን ዝኣመሰላ ሓገዝ ኣብ ምብርካት ይርከባ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0