“ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ዝተሳተፉ መራሕቲ ወጻኢ ሃገራት ዘይምንባሮም፣ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ’ዮ ዘንጸባርቕ፣” ተንተንቲ

“ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ዝተሳተፉ መራሕቲ ወጻኢ ሃገራት ዘይምንባሮም፣ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ’ዮ ዘንጸባርቕ፣” ተንተንቲ

Radio Erena: 25 May 2016

Issu 25 Years

ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ዝተሳተፉ መራሕቲ ወጻኢ ሃገራት ዘይምንባሮም፣ መንግስቲ ኤርትራ ገጢምዎ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ዘንጸባርቐ ምዃኑ ተንተንቲ ገሊጾም።

ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ክሳተፉ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዕድመ ካብ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃገራት ዓረብ’ውን፣ ዝተሳተፈ ከምዘይነበረ ተፈሊጡ።

ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ከኣ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ምስቲ ኣብ የመን ዘለወን ረብሓ ብዝተኣሳሰር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስልታዊ ዝምድና መስሪተን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስቲ መንግስቲ ኣብ ስትራቴጅያዊ ረብሃ ዝተመርኮሰ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘይብሉ ግና እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

 

ካብ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ተነጺሉ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ እንኾ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምድና ዘለዎ መራሒ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ እትርከብ ሃገር፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር’ውን ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ጽምባል ናጽነት ኣይተረኽበን።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሱዳን ዘለዎ ዝምድና’ውን ስልታዊ ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ዝበዝሓ እተን ኣብ ኤርትራ ኤምባሲታት ዘለወን ሃገራት፣ ብኣምባሳደራተንን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታተንን ጥራይ’የን ኣብ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ተሳቲፈን።

መንግስቲ ኤርትራ ንብሩራዊ ኢዮቤልዩ ካብ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣትሒዙ ልዑል ምድላዋት ክገብረሉ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0