ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ንብዙሓት ስድራቤታት ብዘይኣለይቲ ኣትሪፉ

Radio Erena: 30 September 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ስድራቤታት ብዘይኣለይቲ ኣትሪፉ ምህላዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ርእሲ’ቲ፣ ኩሎም’ቶም፣ ብሕማም፣ ሓገዝ ንስድራቤታት ይኹን ካልእ ምኽንያታት ኣብ ገገዝኦም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ብዝቀልጠፈ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ዝተኻየደ ህጹጽ ጻውዒት፣ ገዛ ገዛ ብምእታው ‘ውን ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ጻውዒት፣ ዋላ’ውን ልዕሊ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ‘ኮበርታ ወይ ኣንሶላን ንግዚኡ ዝኸውን ስንቂን’ ሒዞም ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ዘገድድ’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ግፋን ጻውዒትን፣ ኣለይቲ ስድራ ዝነበሩ ኣቦታታት ናብ ግንባራት ስለዝወፈሩ፣ ስድራቤታት ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ናይ መነባብሮ ሕሰም፣ ብዘይኣላዩ ምትራፈን ንተወሳኺ ቅልውላው ኣቃሊዑወን ኣሎ።

ኣቦ ሽዱሽተ ቆልዑ ዝኾነ ኣባል ዕቑር ሰራዊት፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ተዋፊሩ ስድርኡ ይኣሊ ምንባሩ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ጻውዒት ናብ ጋሽ ባርካ ስለዝኸተተ፣ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ተጸበይቲ ሓገዝ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድን ፈለጥትን ኮይኖም ምህላዎም ኣገንዚቦም።

ኣብ ወጻኢ ኣዝማድ ዘይብሎም፣ ግዳያት ጻውዒት ክተትን ግፋን ዝኾኑ ስድራቤታት፣ ሓጋዚ ስኢኖም ኣብ ዕጹው ቤት ንዝመጽእ መከራ ይጽበዩ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0