ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ዝተኸስተ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ህዝቢ ኣጨኒቑ

Radio Erena: 12 May 2017

Water Short

ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ህዝቢ ኣጨኒቑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብሰንኪ’ዚ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ህዝቢ ሰሙናዊ ሓንቲ ፊስቶ ማይ ብኩፖን ንምርካብ ፊስቶታቱ ሰሪዑ ማይ ዝዕድላ ቦጣት ክጽበ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ብመሰረት ጸብጻብ እቶም ምንጭታት፣ ብምምሕዳር መንግስቲ ብዝዋፈራ ቦጣት፣ ንሓንቲ ፊስቶ ማይ ብኩፓን 10 ናቕፍ ክሽየጥ እንከሎ፣ ካብዚ ወጻኢ ግና ንሓንቲ ፊስቶ ማይ ክሳብ 50 ናቕፋ ዝሽየጠሉ እዋናት ኣሎ።

ኣስመራን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ከረንን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ዋሕዲ ዝስተ ማይ ክርአ እዚ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ግና ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ወከልቲ ህግደፍ “ሳላ ዝነበረ ህጡር ክራማትን ዝተሃንጸ ዲጋታትን ህዝቢ ናብ ራህዋ በጺሑ እናበሉ፣ ኣብ ዘጋውሕሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

 

ስእሊ፣- ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0