ኣብ ሓዝሓዝ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ደቂንስትዮ፣ ሰለስተ እሱራት ኣብ እዋን ማእሰርተን ጥንሲ ከምዝሓዛ ተሓቢሩ

Radio Erena: 28 October 2020

ኣብ ሓዝሓዝ ኣብ ዝርከብ ናይ ደቂንስትዮ ቤት ማእሰርቲን ተሃድሶን፣ ብሲቪላዊ ገበን ዝተኣስራ ሰለስተ ደቂንስትዮ፣ ኣብ ናይ ማእሰርቲ እዋነን ጥንሲ ከምዝሓዛ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ገሊጾም።

እተን ደቂንስትዮ፣ ተኣሲረን ኣብ ዝነበራሉ እዋን፣ ብኸመይ ክጠንሳ ከምዝኸኣላ ዝተካየደ ምጽራይን መርመራን እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክሓርሳ ተባሂለን ብዋሕስ ተፈቲሐን ኣለዋ።

እቲ ጉዳይ ብግዴታ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ራድዮ ኤረና ከተጻርዩ ኣይከኣለትን።

እቲ ጥንሲ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል፣ እሱራት ሲቪላዊት ገበናት፣ ስድራቤታቶም ከይበጽሕዎም ተኸልኪሎምሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዘጋጠመ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ እሱራት ሲቪላዊ ገበናት፣ ስድራቤታቶም ክበጽሕዎ ዝፍቀድ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ከምኡ ድማ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ዘይሓለፈ ሰባት፣ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥን ስድራቤታቶም ኣብ ዘይበጽሕዎም ቦታን’ዮም ዝተሓዙ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0