ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደብ ሳሊፍ ድሕሪ ምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተረጋጊጹ

ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደብ ሳሊፍ ድሕሪ ምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 15 September, 2014

15 Eri

ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ድሕሪ ምእታዉ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ዜና የመን ኣረጋጊጾም።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ምዕራባዊ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ኣብ እትርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ዘዘውትርዎ ወደብ ሳሊፍ ዝኣተዉ 15 ኤርትራውያን፣ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኖም ምንጭታት ዜና’ኳ እንተገለጹ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ምዃኖም ዘይምዃኖምን ግን ኣየነጸራን።

 

ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ንእሽቶ ወደብ ሳሊፍ ዝተቐበለዎም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብወገኖም፣ ሓደ ኣዛዚ ክኸውን ከምዝኽእል ዝርከቦም 15 ኤርትራውያን ንምሕታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ሂቦም።

እቶም ብጃልባ ዝመጹ ኤርትራውያን ሲቪል ዝተከድኑ እኳ እንተኾኑ፣ ናብታ ወደብ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ሳናዱቕ ሓቢኦም ዝነበሩ ጠበናጅ ንኣባላት ጸጥታ የመን ከምዘረከቡ’ውን ጠቒሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝመጹ 12 ኤርትራውያን ኣብ የመን ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቶም ምንጭታት ዜና የመን የመልክታ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0