‘ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ፣ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊብና’ ፕ. ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

Radio Erena: 19 June 2022
ሰራዊት ሶማልያ፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ምስ ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ ውግእ፣ ዓሰርተታት ኣባላት’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብዓርቢ 17 ሰነ ዝተኻየደ ግጥም፣ ኣባላት ኣልሸባብ ኣዳዶ ንእተባህለት ከተማ ንምቁጽጻር እንዳመረሹ እንከለዉ፣ ኣብ ባሕዶ ዝተባህለ ከባቢ እዮም ምስ ሰራዊት መንግስቲ ተራጺሞም።

ህዝቢ’ታ ከተማ፣ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት መንግስቲ ብምዃን ደገፍ ከምዝሃበ፣ ወሃብ ቃል’ቲ ሰራዊት ያባል ሓጂ ዓደን፣ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

ኣልሸባብ ብውሑዱ 47 ምዉታት ከሲሩ ንድሕሪት ምስተመልሰ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ህዝቢ’ታ ከተማ ንዘርኣዮ ትብዓትን ተወፋይነትን ኣዝዩ ከምዘድንቕ ገሊጹ።

ብሰለስተ ነታጒ ተጻዊዱወን ንነፍሰ ቅትለት ዝተዋደዳ መካይን ዝጀመረ እቲ ውግእ፣ ሓንቲ ተቓጺላ፣ ካልኣይቲ ተማሪኻ እታ ሳልሰይቲ ከኣ ከይተፈንጀረት ንድሕሪት ከምዝተመልሰት ወሃብቃል’ቲ ሰራዊት ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ጋልማዱግ ኣሕመድ ዓብዲ ካሪየ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ኣጽዋር ዓጢቖም ምስ ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዱዎ ውግእ፣ ብውሑዱ 70 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ከተማ ባሕዶ፣ መነሃርያ ናይቲ ብ ‘ኣህሉ ሱና ዋ-ልጃሚዓ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምልሻ እያ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ሶማል፣ ዝበዝሑ ኣባላት’ቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ደው ከምዝበለ ዝገልጽ ምልሻ፣ ተወላዶ’ዛ ከተማ እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0