ኣብ ልዕሊ ትካል ዕደና ኔቭሰን ክሲ ናይ ዝመስረቱ ብዝሒ ኤርትራውያን 57 በጺሑ

ኣብ ልዕሊ ትካል ዕደና ኔቭሰን ክሲ ናይ ዝመስረቱ ብዝሒ ኤርትራውያን 57 በጺሑ

Radio Erena: 23 October 2017

Bisha

ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን ክሲ ናይ ዝመስረቱ ኤርትራውያን ብዝሒ 57 ከምዝበጽሐ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ገሊጾም።

እቲ ክሲ ኣብ 2014 ብሰለስተ ኤርትራውያን ጥራይ እኳ እንተተመስረተ፣ ድሒሩ ግና፣ ኣብቲ ብኩባንያ ኔቭሰንን መንግስቲ ኤርትራን ዝውነን ፕሮጀክት ዕደና ቢሻ፣ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግልት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተዋፊርና ኢና እናበሉ ዝብሉ 10ታት ኤርራውያን ክጽንበርዎ ተራእዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ካሕሳ ናይቲ ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ምውፋሮም ዝሓቱ ኤርትራውያን ከሰስቲ 57 በጺሑ ከምዘሎ ዘነጸሩ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት፣ ካልኦት ተመሳሳሊ ክሲ ዘለዎም ኤርትራውያን’ውን ክጽንብበርዎ ከምዝኽእሉ የረድኡ።

 

60 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ቢሻ ዝካየድ ዕደና ወኒኑ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ካብ ሰገን ዝኣመሰላ ብህግደፍ ዝውነና ናይ ህንጻ ትካላት፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋር’ዩ ኣብ ካናዳ፣ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ተኸሲሱ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ከባቢ ቢሻ ኣብ ተሃድሶን ማእሰርትን ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝብል ክሲ፣ ኔቭሰን ኣካል ናይቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰልት ዝኸስስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃኑ ተወሳኺ ክሲ መስሪቶምሉ ይርከቡ።

እንተኾነ እቲ ናይ ካናዳ ኩባንያ፣ እቲ ቢሻ ተፈጺሙ’ዩ ዝተባህለ ክስታት ኣብ ቤት ፍርዲ ኤርትራ’ዩ ክርአ ዝግባእ ብምባል ይከራኸር ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ምትእትታው መንግስቲ ናጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል፣ ናይ ሕጊ መስርሕን የለን ብምባል፣ እቶም ኤርትራውያን ክስታቶም ኣብ ካናዳ ከቕርቡ ከምዝክእሉ ውሳኔ እኳ እንተሃበሉ፣ ኩባንያ ኔቭሰን ናይ ይግናይ መስርሕ ከፊቱ ክርክሩ ኣብ ምቕጻል’ዩ ዝርከብ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ፣ እቶም ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ኔቭሰን ክሲ መስሪቶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ስለዝኾኑ፣ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እታ ሃገር ንጉዳዮም ክከራኸሩ ኣይክእሉን’ዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብውሕዱ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዕደና ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ መብዛሕትአን እዘን ኩባንያታት 40 ሚእታዊት ብርኪ ወኒኒ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢታቱ ይኹን ኣታዊታቱ ግሉጽን ተሓታትን ኣተሓሕዛ ከምዘይብሉ’ዩ ዝውቐስ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ኣብዘን ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት፣ ዳህሳስን ኩዕታን ዘካይዳ ዘለዋ ናይ ዕደና ኩባንያታት፣ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተሃድሶ እሱራትን ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝተዋፍሩ ኣማኢት ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይግለጽ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ኣብቲ ካናዳ ዝካየድ ዘሎ ናይ ክሲን ካሕሳን መስርሕ ክትጽንበሩ እትደልዩ፣ ኣብ ቢሻ ዕደና ወርቂ ብዝኾነ ሞያ ዝሰራሕኩም ኤርትራውያን፣ ናብ 00 44 79 85 18 42 67 ብምድዋል ክትውከሱ ከምእትኽእሉ ንሕብር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0