ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ወትሃደራዊን ቁጠባውን እገዳታት ዘንበረት ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ዝተረረ እገዳ ከተንብር ከምእትኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 14 November 2021

ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ወትሃደራዊን ቁጠባውን መሓውራቱን እገዳ ዘንበረት ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይ’ውን ተወሳኺ እገዳታት ከተንብር ከምእትኽእል ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ኬንያን ካልኦት ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃን ክበጽሕ ምዃኑ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ከበባ ዘሎ መንገድታት ንሰብኣዊ ሓገዛት ክኽፈትን ኩሎም ወገናት ተዅሲ ብምቁጻር ናብ ዘተ ክቀርቡን ደጋጊማ እትጽውዕ ዘላ ኣመሪካ፣ ጻውዒታ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ተወሳኺ እገዳ ንምትግባር መደብ ከምዘለዋ’ዮም እቶም ዲፕሎማሰኛታት ዘመልክቱ።

ንኢትዮጵያ ካብ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ዝሰረዘት ኣመሪካ፣ ንቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፣ ቀይሕ ባሕሪ ወይ 09ን ብኩፖን ዱኳናት ዘመሓድር ትካል ሕድሪን ቀንዲ ዒላማ ብምግባር፣ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ኪሻን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳን ድማ ካብቶም ኣብቲ እገዳ ዘካተተቶም ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት’ዮም።

ኣመሪካ፣ ኣቐዲማ’ውን ምስ ኵናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ፣ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ተመሳሳሊ እገዳ ኣንቢራ’ያ።

ምምሕዳር ባይደን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን መሓውራቱን ዘንበሮ እገዳ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቓዊሞሞ ኣለዉ።

ይኹን’ምበር እቲ ምምሕዳር፣ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናትን ፖለቲካን ንዝጥቀመሉ ዘለዉ ወገናት፣ ኣብ ትግራይ ገበናት ኵናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ኣካላት ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሉን፣ ኣብዚ ኵናት እዚ ቀንዲ ተዋሳእቲ ንዝኾኑ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ ድማ ህወሓት፣ እገዳን ካልእ ስጉምታትን ካብ ምውሳድ ደው ክብል ከምዘይኮነ በብእዋኑ ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት የነጽር።

ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ኣሰር ኣመሪካ ስዒቡ፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣሽሓት ሰባት ግዳይ ሞትን መቕዘፍትን ንሚልዮናት ህዝቢ ድማ ግዳይ ጥሜትን ምምዝባልን ጌሮሞ ዘለዉ ወገናት ተመሳሳሊ ስጉምታት ክወስድ ትጽቢት ይግበር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0