ፕረዚደንት ኬንያ፣ ብዛዕባ ተኽእሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 14 November 2021

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ብዛዕባ ተፈጢሩ ዘሎ ዞባዊ ዘምርግጋእን ተኽእሎ ስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰንበት 14 ሕዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምምይያጥ፣ ናብ ኬንያ ከምርሕ ምዃኑ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይዶ ናይ ፈለማ ዑደቱ፣ ናብ ናይጀርያን ሰኔጋልን’ውን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ፣ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ኵናት ኢትዮጵያ እኳ እንተኾነ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሶማልን ሱዳንን’ውን ክዘራረብ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተባሪዑ ዘሎ ኵናትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክፈጥሮ ዝኽእል ቅልውላውን ብዝምልከት ክዝቲ’ዩ።

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምብጋሱ፣ ብዓርቢ 12 ሕዳር ምስ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሃገሩ ኣኼባ ብምክያድ፣ ተፈጢሩ ብሰንኪ ዘሎ ዞባዊ ኩነታት፣ ኬንያ ድሕነታ ንምውሓስ ኣብ ዝልዓለ ጸጥታዊ ተጠንቀቕ ክትጸንሕ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ተዅሲ ብምቁራጽ፣ ግጭታቶም ብዘተ ክፍተሑ ፕረዚደንት ኬንያታ ብተደጋጋሚ ክምሕጸን ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ብወገኑ፣ ብዛዕባ’ዚ ንኢትዮጵያ ናብ ዓዘቕቲ ሸሚሙ ዘሎ ኵናት ንምዝታይ፣ ን16 ሕዳር ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምጽውዑ ይዝከር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0