ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 159 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኒጀር ግዒዞም

ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 159 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኒጀር ግዒዞም

Radio Erena: 24 February 2019

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 159 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከምዘግዓዞም ተገሊጹ።

እቶም ብዕለት 20 ለካቲት ዝገዓዙ ኤርትራውያን፤ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፤ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ መዓስከራት ተቐዪዶም ዝነበሩ ምኻኖም ይንገር።

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ሓሊኖም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሊብያውያን ባሕሪያ ተታሒዞም ዝምለሱ፤ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣብ ዝመለአ መዓስከር ተዳጒኖም፤ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ከምዘጋጥሞም፤ መዛግብ ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክቱ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ዘማርራሉ ዘለዋ ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ፈረንሳን ኢጣልያን ዝርከበአን ገለ ሃገራት ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ንዋትን ስልጠናታትን ብምሃብ፤ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ እንከለዉ ዝግትእሉ ሜላታት ኣብ ምትግባር ይርከባ።

እንተኾነ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ዝተዋፈሩ ሊብያውያን ንገዛእ ርእሶም ስደተኛታት ኣብ ምሻጥን ምግፋዕን ተዋፊሮም ከምዘለዉ’ዩ ዝንገር።

ኣብ ሊብያ፤ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ከባቢ 6200 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣለዉ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0