ፕረዚደንት ኣልበሽር እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጁ

ፕረዚደንት ኣልበሽር እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጁ

Radio Erena: 24 February 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጁ።

ህዝቢ ሱዳን ፖለቲካዊ ለውጢ ብምጥላብ ሰፊሕ ናዕቢ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፤ ፕረዚደን ኣልበሽር ንኩሉ መንግስታዊ መሓውራቱ ብምፍራስ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ከምዝኾነ ብተለዥን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ ኣልበሽር ኣዊጁዎ ዘሎ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፤ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ፤ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኩሎም ሚኒስተራቱን ላዕለዎት ኣዘዝትን ካብ ቦትኦም ተገሊፎም፤ ብሓደስቲ ክትክኦም ምኻኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ሱዳን ፕረዚደንት ንሳልሳይ እዋን ንክምረጽ ክኽእል መታን ቅዋም ክቕየር ጀሚሩዎ ዝነበረ መስርሕ፤ደው ክብል’ውን ኣልበሽር ብወግዒ ኣዊጁ።

ንመግለጺ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ድሕሪ ምስማዕ ህዝቢ ሱዳን ብሓድሽ ማዕበል ናዕቢ ከምዝጀመረ፤ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ብዓርቢ 22 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ናዕቢ፤ ህዝቢ ሱዳን ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ጭርሖ ብሰፊሑ ከምዘቃለሐ ይግለጽ።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኡማ፤ ኣልሳዲቕ ኣልማህዲ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ሱዳን ጽገናዊ ዘይኮነ ምሉእ ደሞክራስያዊ ለውጢ ይጠልብ ስለዘሎ፤ እዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ወሲዱዎ ዘሎ መንግስቲ ናይ ምፍራስን ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋን፤ነቲ ኩነታት ዝያዳ ዘጋድድ እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን ኢሉ።

ሱዳን ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት እዋን ህጹጽ ሓደጋ ምእዋጅ፤ ንሓይልታት ጸጥታ ሕሉፍ ስልጣን ዝህብ ብምኻኑ ብሰላም ናይ ምፍትሑ ዕድል ዝያዳ ይጸብብ ኣሎ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር የጠንቅቑ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0