ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንዋሕዚ ስደተኛታት ክገትኦ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንዋሕዚ ስደተኛታት ክገትኦ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 04 February 2015

libkil

ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ ልዕሊ በቲ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ንዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክቕንሶ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን ናይታ ምስ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር ኣብ ኤውሮጳ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝተቐበለት ሽወደን፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ነቲ ኣውራ መሰጋገሪ መንገዲ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክዓጽዎ ከምዝኻል ብምጥቃስ፣ ሽወደን ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓዱ ስደተኛታት ክመጹዋ ተስፋ ምህላዉ ኣረዲኡ።

 

ኣብ ሽወደን ካብ ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ምንባሮም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ናይቲ ክፍሊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና እቲ ቁጽሪ ብሶርያውያን ተተኪኡ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ሽወደን ኣብ 2013 ናይ ልዕሊ 54 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል እንከላ ኣብ 2014 ግና እቲ ቁጽሪ ናብ 90 ሽሕ ከምዝዓረገ ዘ ሎካል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ጣርሁና ካብ ዝተባህለ ቦታ ናብ ትሪፖሊ ብመኪና ዝጎዓዙ ዝነበሩ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከምዝተቀትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ።

እቶም ፒክኣብ ብዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም ናብ ትሪፖሊ ዘምርሑ ዝነበሩ 12 ናይጀርያውያንን ሓደ ዘሰጋግሮም ዝነበረ ሰብን፣ ሰራዊት እታ ሃገር ዕጡቓት ንምህዳን ብድሩዓት መካይን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ዳህሳስ ብዘጋጠመ ናይ መካይን ግጭት’ዮም ተቐቲሎም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት ኣርባዕተ ወትሃደራት መንግስቲ’ውን ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0