ኣብ ሊብያ ዝነበሩ 162 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢጣልያ ግዒዞም

ኣብ ሊብያ ዝነበሩ 162 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢጣልያ ግዒዞም

Radio Erena: 24 December 2017

kab libya zmexu sdetenatat

ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 162 ስደተኛታት ብቐጥታ ብነፋሪት ናብ ኢጣልያ ከምዝገዓዙ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እዚ ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻየደ ስደተኛታት ብቐጥታ ናብ ኤውሮጳ ናይ ምጉዕዓዝ ስጉምቲ፣ ንኤርትራውያን፣ ኢትዮጵያውያን፣ ሶማላውያንን የመናውያንን ከምዝተገብረ እቲ ትካል ገሊጹ። 

ካብ’ቶም ብዓርቢ ዕለት 22 ናብ ኢጣልያ ዝገዓዙ 162 ስደተኛታት፣ ስድራቤታት፣ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ፣ ሓራሳት ደቀንስትዮን፣ ስንኩላንን ከምዝርከብዎም ተገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ምጉዕዓዝ መስርሕ ካብ ዝተዋፈሩ ሰበስልጣን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ማሕዩርን ኣብ ሕማቕ ኩነታትን ከምዝነበሩ ድሕሪ ምግላጽ፣ ገለ ካብኦም ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት’ውን ከምዘድልዮም ሓቢሩ።

kab libya zmexu sdetenata

ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ሰበስልጣን ኢጣልያ ምስ ሊብያ ድሕሪ ዝገበሩዎ ስምምዕ’ዩ ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያ ብወግዒ ክስማዕ ድሕሪ ምቕናዩ እያ ኢጣልያ ነዞም 162 ስደተኛታት ብወግዒ ተቐቢላቶም ዘላ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0