ባይቶ ነዘርላንድስ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕጾ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ባይቶ ነዘርላንድስ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕጾ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 24 December 2017

doutch f_minኣብ ነዘርላንድስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕጾ፣ ታሕተዋይ ባይቶ’ታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ባይቶ ነዘርላንድስ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፣ ብረቡዕ 20 ታሕሳስ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ’ዩ። ኣብቲ ዕለት’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ክልተ ሚእታዊት ብጭብጥታት ዝተሰነየ ዘተ ኣካዪዱ።

ሓደ ካብቲ ዝቐረበ መርትዖታት፣ ኣግሮስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ሬድዮ፣ ኣብ መንጎ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋን ኤምባሲ ኤርትራን ብቴሌፎን ዝተኻየደ ዝርርብ ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝበሃል ክፍርሙ ከምዘገድድን ክልተ ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ክኸፍሉ ከምዘለዎምን ዘቃልዕ ምንባሩ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነዘርላንድስ፣ ድሕሪ’ቲ ዘተ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ዝቐረበ ጭብጢ ንምዕጻው ኤምባሲ ኤርትራ ዘብጽሕ’ኳ እንተዘይኮነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ክህበሉ ክሓተሉ ምዃኑ ግና ኣነጺሩ። ንሱ ብተወሳኺ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ኣስገዳድን ምፍርራህን ዝተሓወሶ ምዃኑ ተወሳኺ ጭብጥታት እንተተኣኪቡ፣ መንግስቲ ሃገሩ ናብ ዝለዓለ ስጉምቲ ክሰግር ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ባይቶ ነዘርላድስ ንጉዳይ ምኽፋል ክልተ ሚእታዊት ብመንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ከምዝተላዕለ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዛጊት ግብራዊ ስጉምቲ ከይተወስደ’ዩ ጸኒሑ። ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ’ዩ።

==============================   

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0