ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፍትሒ ክረኽቡ ዝጸወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀኔቫ ተኻዪዱ

Radio Erena: 06 October 2019

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዘሕልፉዎ ዘለዉ መከራ ፍትሒ ክረኽቡ ዝጸወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ብዕለት 4 ጥቅምቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ፍትሒ ይርከቡ’፣ ’ሊብያ ንስደተኛታት ውሕስነት ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን’ ‘ባርነት ደው ይበል’ ዝብሉን ካልእን ጭርሖታት ብምልዓል፣ ነቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝረኽቡዎ ዘለዉ መከራ ገሊጾም።

ወከልቲ ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዒ ስደተኛታት ብምእታው ጥርዓኖም ድሕሪ ምቕራብ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ወግዓዊ ተፈላጥነት ስለዘይብሉ፣ ክንገብሮ እንኽእል ሓገዝ ድሩት እዩ ዝብል ምላሽ ከምዝረኸቡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፍታት በብከተማታቱ እንተተኻዪዱ፣ ነቲ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ሰበስልጣን ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ንምዕጻው ዝኸተማኦ ስምምዕ፣ ከምዝፈርስ ንምግባር ሓጋዚ ሙዃኑ ገለ ኣባላት ተጸዋዒ ስደተኛታት ምግላጾም ተሓቢሩ።

ከምዝፍለጥ፣ 66 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ሓያሎ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ማለት ናብ ሩዋንዳ ከምዝግዕዙ ተገይሩ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣብ ዝረኸቦም ኣጋጣሚ፣ ‘ካበየነይቲ ሃገር ብዘየገድስ፣ ኩላትኩም ኣፍሪቃውያን ኢኹም፣ ሩዋንዳ ከኣ ሃገርኩም ኮይና ኣላ እሞ ኣብ ዳግመ ህንጻኣ ክትሳተፉ እዕድመኩም ኣለኹ’ ብምባል፣ መንእሰያት ኣፍሪቃ ናብ ስደት ምቁማት ደው ኣቢሎም፣ ሃገሮም ዝሃንጹሉ እዋን ከምዝኣኸለ ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ መዓስከራትን መዝርዒያታትን ተሓዪሮም መስገደል ህይወት ዘሕልፉ ንዘለዉ ኤርትራውያን ቃሎም ብምዃን ሕሰሞም ክንነግረሎም ብምባል ኣብ ጀኔቫ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራውያን ካብ ዕድመ ዝደፉኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ጀሚሩ ክሳብ ነኣሽቱ መንእሰያት ዝርከብዎም ካብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመን ጾታን ምንባሮም ካብቲ ቦታ ዝበዝሓና ሓበሬታ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0