70 ፖለቲካውያን ውድባት ኢትዮጵያ፣ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከካዪዱ ምዃኖም ገሊጾም

Radio Erena: 06 October 2019

70 ፖለቲካውያን ውድባት ኢትዮጵያ፣ ንቅጥዕታት ምርጫን ምቛም ውድባትን ኣመልኪቱ ንዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ንምቅዋም፣ ኣባላተን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከካዪዱ ምዃኖም ገሊጾም።
ኣፈኛታት ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ልፍንቲ ዝመስረተ 70 ፖለቲካውያን ውድባት ዝሓቖፈ ፓርቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፣ እቲ ብወከልቲ ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ንጠለባቶም ዘማለአ ብዘይምዃኑ ምትዕርራይ ክግበረሉ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።
እንተኾነ ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት ስሩዕ ኣኼባኡ ዝጅምር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ንጠለባቶም ቀጥታዊ ምላሽ እንተዘይሂቡሉ፣ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከምዝጅምሩ እዮም ዝገልጹ።
እቲ ንመስርሕ ምርጫን ቅጥዕታት ምቛም ሰልፍን ኣመልኪቱ ዝወጸ ንድፊ፣ 20 ዓንቀጻት ክስረዝ፣ 13 ዓንቀጻት ከኣ ምምሕያሽ ክግበረሉ ብሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ጠለብ ቀሪቡ ኔሩ።
ሓደ ካብቲ ተቓውሞ ዝገጠሞ ሕጊ፣ ዝኾነ ኣብ ምርጫ ዝሳተፍ ፓርቲ፣ እንተወሓደ ናይ 10 ሽሕ ኣባላቱ ወይ ሰዓብቱ ፊርማ ከዳሉ ዝብል ይርከቦ።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ እቲ ሓድሽ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ፣ ኩሎም ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝርከቡዎ ክትዕን ዘተን ስለዝተኻየደሉ፣ ሕጂ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ጸደቐ ዝቕየር ነገር የብሉን ክብል ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0