ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ንኩነታቶም ብዝምልከት ተቓውሞ ኣካዪዶም

ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ንኩነታቶም ብዝምልከት ተቓውሞ ኣካዪዶም

Radio Erena: 08 March 2019

libya

ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ንኩነታቶም ብዝምልከት ተቓውሞ ኣካዪዶም።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ሰበስልጣን ሊብያ ንክብረት ወድሰብ ብዘዋርድ መንገዲ ሒዞሞም ብምህላዎም እዮም ድምጾም ከስምዑ ኣድማ ዘካየዱ።

እቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ኣድማ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን፣ ሓለዋ መዓስከራት ሊብያ ኣብ ልዕሊኦም ብዝወሰዱዎ ጨካን ስጉምቲ፣ ከባቢ 50 ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።

ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰበስልጣን ሊብያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።

መስርሕ ምጥያስ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ኣዝዩ ግዜ በሊዑ ስለዘሎ፣ ካብ ሊብያ ክወጹ ዝደልዩ እቶም ስደተኛታት ዓቕሎም ከጽቡቡ ንቡር ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ ኣብቲ መዳጎኒ መዓስከር ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፣ ከቢድ ናይ ስቓይን መከራን ግዜ ከምዘሕልፉ እቲ ተጸዋዒ ስደተኛታት ይገልጽ።

ኣብ ሊብያ ካብ ዝርከቡ 5,700 ስደተኛታት፣ ናይቶም 4,100 ጥራይ እዩ ጉዳዮም ተጻርዩ ዘሎ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ተፋንዮም ናይ ዘለዉ ቁጽሪ ከኣ 3,303 በጺሑ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ርጉእ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ዘይብላ ሊብያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ፣ ከመይ ኢሎም ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣብ ዝብል ጉዳይ ጥራይ ብምትኳሩ፣ ኣዘዝቲ ፖሊስ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣደዳ መከራ ከውርዱ ሓገዝ ኮይኑ ከምዘሎ ካብ ሓያሎ ወገናት ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0