ኣልጀሪያ፣ ብሰንኪ ህዝባዊ ምልዕዓል፣ ዩኒቨርሲታት ኣቐዲመን ክዕጸዋ’የን

ኣልጀሪያ፣ ብሰንኪ ህዝባዊ ምልዕዓል፣ ዩኒቨርሲታት ኣቐዲመን ክዕጸዋ’የን

Radio Erena: 10 March 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝተጎሃሃረ ግርጭት ናብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር እንዳለሓመ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እዚ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘስረሖ ሓደስቲ ኣባይቲ ንህዝቢ ክዕደል ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ፣ ተወላዶ ኦሮሞ እቲ ኣባይቲ ተሰሪሑሉ ዘሎ ቦታ መሬትና’ዩ ብምባል ከምዝጀመሩዎ፣ ዘ ሪፖርተር ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ካብዚ ንህዝቢ ክዕደል ተወጢኑ ዘሎ 55 ሽሕ ኣባይቲ፣ እቲ 7 ሽሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተሃንጸ ብምዃኑ ዝተላዕለ ናዕቢ፣ ክሳብ 7 መጋቢት ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ተሓጺሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀዳመ ሰምበት ናብ ኣምቦ፣ ጅማ፣ ኣዳማን ሻሸመኔን ዝኣመሰላ ከተማታት ልሒሙ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ዝዓበየ ናዕቢ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ተቓወምቲ ውድባት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ደሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን፣ እውን ነቲ ምዕዳል ኣባይቲ ዘለወን ተቓውሞ ገሊጸን ኣለዋ።

እተን ውድባት ኣብ መግለጺታተን፣ ንዋንነት መሬት ብዝምልከት ኣብ መንጎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከይተወደአ፣ ኣባይቲ ንህዝቢ ምዕዳል ግጉይ ስጉምቲ’ዩ ኢለን።

ነዚ ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዘይቅዋማዊ’ዩ ዝበላኦ መግለጺ ስዒቡ፣ ምምሕዳር’ታ ከተማ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0