ኣብ ሊብያ ተጨውዮም ዝነበሩ 81 ስደተኛታት፣ ብሰበስልጣን ሊብያ ተቐዪዶም

ኣብ ሊብያ ተጨውዮም ዝነበሩ 81 ስደተኛታት፣ ብሰበስልጣን ሊብያ ተቐዪዶም

Radio Erena: 14 Januray 2018

sdetenatat ab libyaሰበስልጣን ሊብያ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝኾኑ 81 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጦም።

እዞም ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን፣ ኣቐድም ኣቢሎም ንኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ዝጸንሑ ምዃኖም ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣረጋጊጹ። 

ገለ ኤርትራውያን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ገንዘቦም ከፊሎም ካብ ሱዳን ምስ ተበገሱ፣ ኣብ ቤንቓዚ ምስ በጽሑ እቶም ኣሰጋገርቲ መንገዲ ተዓጽዩ እዩ ብምባል ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ኣትሒዞም ቀዪዶሞም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጉዕዞኹም ክትቅጽሉ ተወሳኺ ገንዘብ ክፈሉ ምስበሉዎም ክሃድሙ ከምዝወሰኑ ገሊጾም።

እንተኾነ ሰበስልጣን ሊብያ ን81 ካብኣቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም ከምዘለዉ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና፣ ነናብ ሃገሮም ክመልስዎም መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጸን።

ኣብ ምብራቕ ቤንቓዚ ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ኣሕመድ ኣል ዓሪፊ ንኢንደፐንደንት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝኾኑ 81 ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነናብ ሃገሮም ከነፋንዎም ምድላዋት ንገብር ኣለና ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ዓመተ 2017 ልዕሊ 5,600 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝተፋነዉ ገሊጹ።

ሓያሎ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ዋሕዲ መግብን ማይን፣ ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ይግለጽ።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0