ው.ሕ.ሃ.ን ሕ.ኣፍሪቃን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ተወሊዑ ንዘሎ ውግእ ኮኒኖም

ው.ሕ.ሃ.ን ሕ.ኣፍሪቃን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ተወሊዑ ንዘሎ ውግእ ኮኒኖም

Radio Erena: 14 Januray 2018

un_logoውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ተወሊዑ ንዘሎ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ኮኒኖም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ12 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኩሎም ወገናት ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ብዕለት 21 ታሕሳስ 2017 ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከኽብሩ ጸዊዑ።

እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኮነ ተቓወምቱ፣ መሰረታዊ ዕላምኦም ድሕነት ህዝቢ እንተኾይኑ፣ ፍልልያቶም ፖለቲካዊ ፍታሕ ብምንዳይ ደኣምበር ኲናት ብምጅማር ከረጋግጽዎ ከምዘይክእሉ ኣመልኪቱ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፣ ነቲ ናይ 21 ታሕሳስ ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ትግባረኡ ኣብ ምርግጋጽ ንኩሎም ወገናት ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ብመሰረት’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዝሰግረሉ ደኣምበር ዳግማይ ናብ ኲናት ዝምለሰሉ እዋን ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ።

ብመንጎኝነት ኢጋድ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፣ ነቲ ብኲናት ዝተሃስየ ህዝቢ ረዲኤት ንምሃብ ንኣህጉራውያን ለገስቲ ማሕበራት ናይ ሓገዝ መስመር ክኸፍት’ዩ ትጽቢት ተገይሩሉ ኔሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ መግለጺኦም፣ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክዕወትን ኣብታ ሃገር ነባሪ ሰላም ክሰፍንን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0