ኣብ ሊብያ፣ ኣብ መንበሪ ገዛ ዝዓለበ ቦምባ ሸሞንተ ኤርትራውያን ቀቲሉ

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ መንበሪ ገዛ ዝዓለበ ቦምባ ሸሞንተ ኤርትራውያን ቀቲሉ

Radio Erena: 05 August, 2014

Libya

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሸሞንተ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ካብ ኣጀንስያ ሓበሻ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

ኣብ መንበሪ ገዛ ዝዓለበ ቦምባ 30 ሰባት ክቐትል እንከሎ፣ ካብዚኣቶም እቶም 8 ኤርትራውያን ምዃኖም ኣባ ሙሴ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ብፍላይ ኣብ ከተም ትሪፓሊ፣ ስደተኛታት ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለዉ’ውን ኣባ ሙሰ ዘርኣይ ሓቢሮም።

ሓያሎ ኤርትራውያን’ውን ካብቲ ዝድብደብ ዘሎ ከባቢታት ክሃድሙ ብዕጡቓት ተታሒዞም ውግኣት ኣብ ምልዓልን ቦምባታት ኣብ ምጽዓንን ተገዲዶም ይሰርሑ ምህላዎም ጉድኣት ዝበጽሖም ከምዘለዉን’ውን ጠቒሶም።

 

ብዛዕባ’ታ ስደተኛታት ሒዛ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተሰዊራ ዝብሃል ዘሎ ጃልባ ድማ ኣባ ሙሴ፣ እኹል ሓበሬታ ስለዘየሎ ሃላዋት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ኣረዲኦም። 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ኣብ ላምፔዱሳ ናይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ሬሳታት መቕርቦም ንምልላይ ዘኽእል ሓድሽ መምርሒ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ወጺኡ ስለዘሎ፣ ሬሳ መቕርቦም ከለልዩ ንዝደልዩ

ስድራቤታት ንኣጀንስያ ሓበሻ ወይ ድማ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብኢመይ agenzia_habeshia@yahoo.it ክውከሱ ሓቲቶም ኣለዎም።

ብዛዕባ’ዛ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ሒዛ ጠፍኣ ዝብሃል ዘሎ ጃልባን ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ስደተኛታትን ብዝምልከት ኣባ ሙሴ ዘርኣይምስ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየድዎ ሓጺር ቃለ ምልልስ ኣብ http://radioerena.wpengine.com/listen-erena-live ተኸታተሉ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0